ዝሰራሕናዮም
ፕሬዚደንት ፈረንሳይ ኤማኑዌል ማክሮንን ጠቕላይ ሚኒስቴር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድን፡ ንቤት ንባብ ተባሂሉ ዝተዳለወ ሕትመት መጽሓፍ ፓሳጅ እንዳገንጸሉ። ፓሳጅ (ቤት ማሕተም በርናርድ ዱመርሼ) ማለት፡ ንጠቕላይ ሚኒስቴር ኣብይ እሕመድ ዝተውሃበ ፕሬዚደንታዊ ህያብ እዩ። ን 10 ዓመታት ኣብ ኢትዮጲያን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝነበረ (1881 – 1891) ገጣሚ ኣርተር ሪምቦ ዝጸሓፎ ናይ መጀመርታ ናብ ኣምሓርኛ ዝተተርጎም ስራሕ እዩ። ግጥሚታት ኣርተር ሪምቦ፡ ብብሩክ በየነ፡ ፍሮንስዋ ሞራንድ፡ ዶክተር ብርሃኑ ኣበበ ተተርጒሙ፡ ኣለኤን ሳንቸርኒ ን ጅን ማይክል ለ ዴን ተኣሪሙ ንሌላ ቐሪቡ። ናይ ሓባር ሕትመት፡ ኣብ ኢትዮጲያ፡ ብ እንዳ መጽሓፍቲ ሻማን ኤምባሲ ፈረንሳይን ተሓቲሙ እዩ።
ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ ንቤት ንባብ ተባሂሉ ዝተዳለወ ሕትመት ናይ ኣርተር ሪምቦ “ሴሎን ሃራር” ዝብል ብ ኣለኤን ሳንቸርኒን ዩኤል ሌይክ (ቤት ማሕተም በርናርድ ዱመርሼ) ዝተዳለወት መጽሓፍ፡ ብፕሬዚደንት ፈረንሳይ ንፕሬዚደንት ኢትዮጲያ ዝኾነት ወ/ሮ ሳህለዎርቅ ዘውደ ተዋሂቡ።
N.O.E., 13/03/2019
Photo : le Monde, 12/03/2019

ማህልዬ ዘ ካሳንቺስ - Mahlye Ze Kazanchis
ማህልዬ ዘ ካዛንቺስ ዘርእስታ መጽሃፍ ካብ ኣምሓርኛ ናብ ፈረንሳይኛ ምስ ፍራንስዋ ሞራንድ ተርጒምና። እቲ መጽሓፍ ኣብ ፓሪስ ፈረንሳይ ኣብ 2008 ብጎርጎሮሳዊ ኣቆጻጽራ፡ ብቤት ማሕተም ለ’ኣርሻንጅ ሚኖቶር ተሓቲማ።

ስሜት (ስምዒት)
ስሜት (ስምዒት) ተባሂላ ብመቅደላዊት ድንቁ ዝተዳለወት፡ “Sensation" (ስሜት) ካብ ዝብል ናይ ኣርተር ሪምቦ ግጥሚ ናብ ኣምሓርኛ፡ ብብሩክ በየነን ፍራንስዋ ሞራንድን ተተርጒሙ። ሙዚቃ ብመቅደላዊት ድንቁ። ኣብ መስከረም 27, 2005 ብጎርጎሮሳዊ ኣቆጻጽራ ዝተሓትመት።

እንደ ቅምሻ (ከም መጥዓሚ)
“እንደ ቅምሻ” ዝብል መጽሓፍን “Passages” ኣርእስታ በቲ ብፈረንሳዊ ገጣማይ ኣርተር ሪምቦ ብፈረንሳይኛ ዝተጻሕፉ እኩባት ግጥሚታት ኣብ የካቲት 2016 ብጎርጎሮሳዊ ኣቆጻጽራ፡ ብሻማ መጽሓፍቲ (BookWorld) ዝተዳለወን ተርጒምናን፡ ኣብ ሰነ 2016 ብጎርጎሮሳዊ ኣቆጻጽራ፡ ብመልኽዕ ተሪር ክዳን ዘለዎ መጽሓፍ ብዱመርች ኣብ ፓሪስ ተሓቲማ።

"ሰንሴሽን"፡ "ቦሂምያ"
ሰንሴሽን፡ "ቦሂምያ"፡ “Cabre Vert / እታ ሓምላይ መዕረፊ ኣጋይሽ” ዝብሉን ኣርባዕተ ግጥምታት ሪምቦ ናብ ግጥምታት ደርፊ ተቐይሮም ብዝተፈላለዩ ስነ-ጥበባውያን፡ ከም መስፍን ማሞ፡ ግሩም፡ መዚቃ ዝሰርዑ ድማ፡ ኣማኑኤል ይልማን ኣምባቸውን ኣብ መጋቢት 2016 ብጎርጎሮሳዊ ኣቆጻጽራ፡ ኣብ ስነ-ስርዓት መመረቕታ ናይዞም መጽሓፍቲ ተደሪፎም እዮም።
ንተወሳኺ ሓበሬታ፡ ደውሉልና

ሳማድ ኣብቲ ጫካ - Samad in the Forest
ሳማድ ኣብቲ ጫካ ዘርእስታ ናይ ቆለውዕ መጽሓፍ ብትግርኛ ካብ "Samad in the Forest" ትብል ብመሓመድ ዑመር ዝተጻሕፈትን ብቴድሮስ ማርቆስ ተተርጒሙ ብ Salaam Publishing (ሳላም ቤት ማሕተም) ኣብ 2019 ኣብ ከተማ ለንደን ድሒራ ዝተሓትመት ኣሪምና። (ISBN 9781912450213)

ሳማድ በጫካ ውስጥ - Samad in the Forest
ሳማድ በጫካ ውስጥ (ሳማድ ኣብቲ ጫካ) ዘርእስታ ናይ ቆለውዕ መጽሓፍ ብኣምሓርኛ ካብ "Samad in the Forest" ትብል ብመሓመድ ዑመር ዝተጻሕፈትን፡ ብ Salaam Publishing (ሳላም ቤት ማሕተም) ኣብ 2019 ኣብ ከተማ ለንደን ድሒራ ዝተሓትመት ተርጒምና። (ISBN 9781912450237)

Samaad Bosona Keessa - Samad in the Forest
“Samaad Bosona Keessa” ( ሳማድ ኣብቲ ጫካ (ብኦሮምኛ)) ዘርእስታ ናይ ቆለውዕ መጽሓፍ ካብ "Samad in the Forest" ትብል ብመሓመድ ዑመር ዝተጻሕፈትን፡ ብብርሃኑ ተድላ ተተርጒማ ብ Salaam Publishing (ሳላም ቤት ማሕተም) ኣብ 2019 ኣብ ከተማ ለንደን ድሒራ ዝተሓትመት ኣሪምና። (ISBN 9781912450190)

ሳማድ ኣብቲ ምድረ በዳ - Samad in the Desert
ሳማድ ኣብቲ ምድረበዳ ዘርእስታ ናይ ቆለውዕ መጽሓፍ ብትግርኛ ካብ "Samad in the Forest" ትብል ብመሓመድ ዑመር ብእንግሊዝኛ ዝተጻሕፈትን፡ ብቴድሮስ ማርቆስ ተተርጒማ፡ ብ Salaam Publishing (ሳላም ቤት ማሕተም) ኣብ 2019 ኣብ ከተማ ለንደን ድሒራ ዝተሓትመት ኣሪምና። (ISBN 9781912450220)

ሳማድ በበረሃው ላይ - Samad in the Desert
"ሳማድ በበርሃው ላይ" (ሳማድ ኣብቲ ምድረ-በዳ) ዘርእስታ ናይ ቆለውዕ መጽሓፍ ብኣምሓርኛ ካብ "Samad in the Desert" ትብል ብመሓመድ ዑመር ብእንግሊዝኛ ዝተጻሕፈትን ብ Salaam Publishing (ሳላም ቤት ማሕተም) ኣብ 2019 ኣብ ከተማ ለንደን ድሒራ ዝተሓትመት ተርጒምና። (ISBN 9781912450244)

Samaad Gammojjii Keessa - Samad in the Desert
“Samaad Bosona Keessa” (ሳማድ ኣብቲ ምድረበዳ (ብኦሮምኛ)) ዘርእስታ ናይ ቆለውዕ መጽሓፍ ካብ "Samad in the Forest" ትብል ብመሓመድ ዑመር ዝተጻሕፈትን ብብርሃኑ ተድላ ተተርጒማ ብ Salaam Publishing (ሳላም ቤት ማሕተም) ኣብ 2019 ኣብ ከተማ ለንደን ድሒራ ዝተሓትመት ኣሪምና። (ISBN 9781912450206)
