ንህቦም ኣገልግሎታት

I. ግላዊን ናይ ሰነዳትን ኣገልግሎት ትርጉም

ምትርጓም ሰነድ፡ ንሓደ ጽሑፍ ካብ ሓደ ቋንቋ ናብ ካልእ ዝቕየረሉ መስርሕ እዩ። ናይ ግሊ ትርጎማ ድማ፡ ወግዓዊን ዘይወግዓዊን ሰነዳት ናይ ሓደ ሰብ ኮይኑ ብካልእ ምኽኒያት ክትርጎም ዝድለይ እዩ።

ዓይነታት ግላዊን ናይ ሰነዳትን ኣገልግሎት ትርጉም

  • ምትርጓም ሰነድ ኢሚግሬሽን፥ ን ናይ ቪዛ መመልከቲ ወይ ድማ ንፍቓድ ነባርነት/ ስራሕ ዝኸውን፡ ሓቀኛ ምዃኖም (ከም ዝተመስከረሎም) ክረጋገፁ ዘለዎም ሰነዳት።
  • ትምህርታዊ ምስክር ብቕዓት ምትርጓም፥ ናይ ምስክር ወረቐትን ካልኦት ብትምህርታዊ ተቕዋማት ዝውሃቡ ምስክር ብቕዓትን።
  • ናይ ሕክምናን ክታበትን መዝገባት፥ ምስክርነት ደረጃ ጥዕናኹም ይኹን ክታበት ዝወሰድኩሙሉ መዝገብ ናብ ዝድለይ ቋንቋ ክትርጎመልኩም ትደልዩ ትኾኑ።
  • ናይ ልደት፡ መርዓን ሞትን ወረቐት ምስክር፥ ንዝተፈላለየ ምኽንያት ነዞም ሰነዳት ክተተርጉሙ የድልየኩም ይኸውን እዩ። እቲ ዝትርጎመልኩም ሰነድ ድማ ሓቀኛ ነጸብራቕ ናይቲ ቀንዲ ቅዳሕ ሰነድ ከምዝኸውን ነረጋግጸልኩም።
  • C.V. (ሲቪ)ን መመልከቲ ስራሕን፥ ናይ መጻኢ ኣስራሒኹም ናብ ኣጸቢቑ ክርድኦ ዝኽእል ቋንቋ፡ ሲቪን ናይ ስራሕ መመልከቲኹምን ኣብ ምትርጓም ንሕግዘኩም።

II. ንዋኒንን ዋኒነ ትካልን ዝውሃብ ኣገልግሎታት ትርጉም

ንዋኒነ ትካል ዝውሃብ ኣገልግሎታት ትርጉም ን ሰነዳት ዋኒናዊ ርክባት ዝዛመዱ ሰነዳት፡ ከም ናይ ዝርርባት፡ ስምምዓት ዋኒን፡ ኣተሓሕዛ ሕሳብ ዝመሰሉ የጠቓልል።

ን ዋኒንን ዋኒነ ትካልን ዝውሃብ ኣገልግሎታት ትርጉም ኣጠቓሊልና ክንርእዮ ከለና፡ ነቶም ፍሉይ ተመክሮኣዊ ፍልጠት ዘለዎም፡ ን ሕቶን ድልየት ዓሚል ከማልኡ ዝኽእሉ ተርጎምቲ ነዋፍረሎም ፕሮጀክትታት እዮም። ኣብቲ ዓውዲ ፍሉይ ቴክኒካዊን ትምህርታዊን ፍልጠት ንዘለዎም ተርጎምቲታት ከምዝሳተፉ ንገብር። ከምዞም ዓይነት ሰነዳት ቅድሚ ምትርጓሞም ፍሉይ ጥንቃቐ ዝመልኦ ኣተሓሕዛ የድልዮም። ኣብቲ ዓውዲ ሞያዊ ተሞክሮ ብዘለዎም ዝቖመት ጋንታ ግቡእ ማሕደረቓል ንምድላው ብሓደ ኮፍ ይብሉን ምስ ዓሚል ድማ ይማኸሩ። ነቲ መቦቆላዊ ሰነድ ብልክዕ ንምንጽብራቕ፡ ሜላ ኣሰራርሓ፡ ክእለት ኣብቲ ዓውዲን ተሞክሮን፡ ምእንቲ እቲ ትሕዝቶ ትርጉም ክህብ ዝተቐናጀዩ ክኾኑ ኣለዎም።

ንዋኒነ ትካላት ዓማዊልና ክነቕርቦ ንኽእል ዝርዝር ኣገልግሎት ትርጉም፥

  • ንዝተቐድሐ ድምጺን ቪድዮን ዝወሃብ ኣገልግሎት ትርጉም – ብካልእ ቋንቋ ደሪብካ ድምጺ ምምላእ፡ ምትርጓም ዝተቀድሐ መደረን፡ ትረኻን ናብ ጽሑፍ ምግልባጥ። ኣብ ስቱድዮና ኣቕዲሕና፡ ዓሚል ብዝሓተቶ መልክዕ ቅጥዒ ኣትሒዝና ናይ መወዳእታ ውጽኢት ነቕርብ።
  • ንብሮሹር ምትርጓም – ምስ ኩሉ ረክላማዊ ንጥፈት ዝዛመድ ስራሕ ትርጉም ዝገልጽ ኣጠቓላሊ ስያመ እዩ፥ እዞም ድማ ብሮሹራት፡ ተበታኒ ወረቐታት፡ ናይ ትካል ገጽታ፡ በራሪ ወረቐት፡ ተለጣፊ ምልክታታትን ወዘተ ማለት እዩ። እዚኦም ትርጓመታት ቴክኒካዊ፡ ሕጋዊ፡ ሕክምናዊ፡ ክፍሊ መሸጣን ናይ ሳይንሳዊን ትሕዝቶታት ሕውስዋስ ክኾውን ይኽእል። ከምዚ ዓይነት ትርጓመ፡ ረክላም ናይ ምጽሓፍን ምርዳእን ክእለት ዘለዎ ተርጓሚ የድልዮ እዩ። ብ እርያ ፊደልን DTP (ዴስክ ቶፕ ፓብሊሸር)ን ሞያዊ ተመኩሮ ዘለዎምን ኣራሚ ኣንባባይን፡ እቲ ስራሕ ዝበለጸ ውጽኢት ከርእይ ኣድለይቲ እዮም።
  • ሰነዳት መድሕን ውሕስነትን ሕጋዊ ሰነዳት ምትርጓም– ምስ ሕጊ ዝተኣሳሰሩ ኣበሃህላታትን ናይ መድሕን ውሕስነት ሰነዳትን ንምትርጓሞም ዝተወሳሰቡ እዮም። ነዚ ዓይነት ስራሕ ክሰርሕ ዝምደብ ተርጓሚና፡ ምስ ሕጋዊ ኲነት ዝዛመድ ኣሰራርዓ፡ ዘመላኽቱ ሓበሬታታት፡ ጽንሰሓሳብን ቅዲ ሕጋዊ ኣጸሓሕፋ ብግቡእ ዝርዳእ ምዃኑ ነረጋግጽ። ብዘይካ ኣብ ብርቂ ዝኾኑ ቋንቋታት፡ ናይ LLB (ናይ ሕጊ ባችለር) ቀዳማይ ዲግሪ ዝሓዙ ተርጎምቲ ጥራይ እዮም ኣብ ከምዚ ዓይነት ስራሕ ዝዋፈሩ። ብዘይ ምፍርራም ዝግበር ውዕል፡ መተኣሳሰሪ ዓንቀጻት፡ ውስጣዊ መምርሒታት፡ ፖሊሲታት ዋኒነ ትካል፡ ናይ ሓባር ወፍሪ ስምምዓትን፡ መተኣማመኒ ሰነዳት ኣብዚ ምድብ ይጠቓለሉ።
  • ናይ ብዙሕ ቋንቋታት እርያ ፊደል – ዓሚል ንዝመረጾ ቋንቋ፡ ኣጠቓቕማ ቅርጺ-መጠን ፊደል፡ ኣቀማምጣ ምቕያርን፡ ጽባቐ ቅዲ ንምስልሳል ፍሉይ ዓውደ ንጥፈት ንጥቀም። ብተወሳኺ፡ ከምዚ ዓይነት ንጥፈት፡
  • ናይ ሶፍትዌር ኣተቓቕማ ክእለትናን ብኸመይ ክስራሕ ከምዘለዎ፡ ዘለና ፍልጠት ተጠቂምና ልዑል ደረጃ ዘለዎ ሞያዊ ስራሕ ኢደ-ጥበብ ኣቕሪብና፡ ኣብቲ ንሰርሓሉ ቋንቋ ክእለትና ነመስክረሉ መድረኽ እዩ።
  • ምትርጓም ምስክር ምህዞ – ምስክር ምህዞ ምትርጓም፡ ኣህጉራዊ ተዓዛቢ ብዛዕባ እቲ ምህዞ ሓበሬታ ክረክብን ኣብ ግብሪ ብኸመይ ከምዝውዕልን ንኽርድኦ ናብ ካልእ ቋንቋ ናይ ምትርጓም መስርሕ እዩ። እዚ ኣብዚ ሕጂ ዘለናዮ፡ ዋኒናት ብቐጻሊ ዝወዳደሩሉ ግሎባዊ መድረኽ፡ ብፉሉይ ኣገዳስነት ኣለዎ። ተርጎምቲና፡ ነዞም ፍሉይ ኣተኩሮ ዘድልዮም ፕሮጀክትታት ንምግጣም ዝሰልጠኑ እዮም። ኣብዚ ዝሰፈሩ ጽሑፋት ብርትዕ ብዝበሉ ቴክኒካዊ ጉዳያት ዝተመልኡ ብምዃኖም፡ እቲ ተርጓሚ ልዑልን ፍሉይን ሞያዊ ተመኩሮ ክህልዎ ኣድላዪ እዩ። ከምዞም ዓይነት ተርጎምቲ ኣብ ዘህልዉሉ ኣጋጣሚ፡ ምስ ዓሚል ብሓባር ብምዃን ምእዘናን ስልተናን ንዝተመደቡ ተርጎምቲን ኣረምቲን ንህብ።
  • ቴክኒካዊ ትርጎማ – እዞም ፕሮጀክትታት ዝበዝሐ ግዜ እርያ ፊደል ተጠቒምና ነቲ ዝተተርጎመ ሰነድ ናብ ምስላዊ ንድፊ ኢደ-ጥበብ ንኽንቅይር ይገብሩና። ኣብ ትሕቲ ቴክኒካዊ ትርጎማ፡ ንዋኒንን ናይ ገንዘብ ሰነዳት፡ መሰልጠኒን መምርሒ መጽሓፍቲ፡ ሕክምናዊ ሰነዳት ወዘተ ክነተቓልል ንኽእል።
  • ኣገልግሎት ምትርጓም ዌብሳይት – ዋላ እቲ ምትርጓም ካብ ሓደ ቋንቋ ናብ ካልእ ቋንቋ ብጽሑፍ ምቕያር ይኹን እንምበር፡ ዓሚል ካብ ዝሓተተና ተወሳኺ ክንሰርሕ ከምዘለና ንርድኦ ኢና። እዚ ስራሕ ናብ ረክላም ምጽሓፍ ዘዘንብል ይኹን እንበር ብጥንቃቐ ብምድላው እቲ ዝድለይ ጽልዋ ኣብቲ ዝትርጎመሉ ቋንቋ ባህሊ ከም ዝተንጸባረቐ ነረጋግጽ ኢና። ንዌብሳይት ዝሰርሕን ዝዕቅብን ዘድልዩ ቴክኒካዊ ነገራት ብጥንቃቐ ክሕሰበሎም ዘልዎም እዮም።ጾ

III. ኣገልግሎት ክልላዊ ምግባር

ክልላዊ ምግባር ክንብል ከለና፡ ንሓደ ፍርያት ወይ ድማ ኣገልግሎት፡ ዝበዝሐ ግዜ ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ናብ ናይ ሓደ ህዝቢ ቋንቋ፡ ባህሊን ድልየትን ሕግታቱ ብምኽባር ከምዝቕበሎ ጌርካ ምድላው ማለት እዩ።

ክልላዊ ምግባር (ብካልእ ኣጸዋውዓ l10n ይበሃል) ንፍርያት ወይ ድም ኣገልግሎት ንሓደ ፍሉይ ቦታ ከምዝሰማማዕ ጌርካ ትልውጠሉ መስርሕ ተባሂሉ ክግለጽ ይከኣል። ዕላማ ክልላዊ ምግባር፡ ቋንቋ፡ ባህላዊ ተደላይነት፡ ወይ ቦታ ብዘየገድስ፡ ንዝድለይ ዘሎ ዕዳጋ ብትርኢት ይኹን ብዝህቦ ስምዒት ልክዕ ንዕዑ ተባሂሉ ከምተሰርሐ ኣምሲልካ ምቕራብ እዩ። መቐየርታ ትርጉም ተባሂሉ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል የብሉን። ልክዕ እዩ ስራሕ ምትርጓም ካብቲ ንሓደ ናይ ክልላዊ ምግባር ፕሮጀክት ንክሳካዕ ዘድልዩ ረቛሂታት ሓደ ካብኦም እዩ። ካብ ትርጉም ወጻኢ ምስ ክልላዊ ምግባር ዝተሓሓዙ ስራሓት እዞም ዝቕጽሉ እዮም፥

  • ናይቲ ክስርሓሉ ዝድለይ ዘሎ ኣከባቢ፡ ምርጫን ልምድታት ተጠቃምነትን ምኽባር ዕላማ ጌይርካ ኣመሓይሽካ ትሕዝቶ ምድላው
  • ነቲ ዝተተርጎመ ጽሑፍ ብግቡእ ክንጽር ንድፊን ኣሰራርዓን ምድላው
  • ናይ ዕለትን ግዜን፡ ኣድራሻታት፡ ቁጽሪታት፡ ስርዓተ ገንዘብ ወዘተ ብፍሉይ ክስርሓሉ ንዝድለይ ዘሎ ኣከባቢ ቅጥዒ ኣተሓሕዛ ምድላው
  • ትጽቢታትን ተነቃፍነትን ናይ ክስርሓሉ ንዝድለይ ዘሎ ኣከባቢ ንምምላእ ግራፊክስ ምድላው
  • ነቲ ፍሉይ ክስርሓሉ ዝድለይ ኣከባቢ ዝስራሕ ስራሕ ብፊደላዊ ኣሰራርዓ ተርታ ኣትሒዝካ ምድላው

ፕሮጀክትታት ክልላዊ ምግባር ናይ ጥቕሊ ኣገልግሎት ኮይኑ ነዞም ዝስዕቡ ዕዮታት ድማ የጠቓልል፥

  • Bug (ጉድለት ኮምፒዩተር) ምእራም (ኣብ ግዜ ቅድመ-ፍርያት፡ እንዳፈረየ ከሎን፡ ድሕረ-ፍርያትን)
  • ኣህጉራዊ ምግባር
  • ናይቲ ክልላዊ ምግባር ፈተነታት ምክያድ
  • ምህንድስና ሶፍትዌር
  • ንሶፍትዌር ክልላዊ ምግባር
  • ምትርጓም ሶፍትዌር
  • ፈተነ ናይ ተቐባልነት ደረጃ ተጠቃማይ

ኣብነታት መስርሕ ክልላዊ ምግባር፦

ንሕና ኣብ ኢትዮስታር፡ ንትሕዝቶ ክልላዊ ዝገበሩ፡ ኣብ ምስባር መሰናኽላት ቋንቋ ኣብነታውያን ብምዃን ዓለምለኻዊ ጽልዋ ዘሕደሩ ውሩያት ዝኾኑ ኣስማት ንግዲ፡ ንስርሖም ተሃንጢና ንከታተል ኢና።

ጥበብ ዝተመልኦ ናይ ክልላዊ ምግባር ስታርቴጂታት ዝተጠቀሙ ውሩያት ኣብነታት፡ Coca-Cola (ኮካ ኮላ)፡ Microsoft (ምይክሮሶፍት)ን Nike (ናይክ)ን እዮም። እዞም ዝስዕቡ እውን ብደረጃ ዓለም ኣብ ክልላዊ ምግባር ፕሮጀክትታት ኣድማዒ ውጽኢት ብምምዝጋቦም ተጠቀስቲ እዮም።

The World Wide Fund for Nature (WWF) (ዓለማዊ ማእከል ገንዘብ ንዕቓበ ተፈጥሮ)፥ ብፍልጠትን ሓበሬታን ተደጊፉ ሓደ ሰብ ብኸመይ ንምንቅስቓስ ይመርሕን፡ ብተወሳኺውን፡ ክልላዊ ምግባር ብኸመይ ነዞም ናይ ንቕሓት ወፍሪታት ይጠቅምን ዘርኣየ ብምዃኑ ከም ጽቡቕ ኣብነት ይጥቀስ።

Airbnb (ኤርቢኤንቢ)፥ ኣብ 220 ሃገራት ህላዌኡ ኣረጋጊጹ፡ ኣብ ነፍስ ወከፍ ርክባት እቲ ዓሚል መዕረፊኡ ናቱ ኮይኑ ከምዝስምዖ ብምግባር ነቲ ኣዚዩ ገፊሕ ዝኾነ ኢንዱስትሪ ምቕባል ኣጋይሽ ዘተሓጓጎለ እዩ። መርበብ ሓበሬትኦምን ኣፕሊኬሽኖምን ብ62 ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ተተርጒሙ ይርከብ።

Netflix (ኔትፍሊክስ)፥ ብዓውደ ንጥፈቶም ተጠቂሞም፡ ዓሚል ንዝደልዮ ፊልምታት ኣብ ምቕራብ ኮነ ኣብ መበገሲ ገጽ መርበብ ሓበሬትኦም ካብ ክረኣይ ንዝኽእል ፊልም ምኽሪ ምሃብ ክሳብ ዝተተርጎመ ንኡስ ኣርእስቲ ኣብ ምቕራብ ተወዳዳሪ የብሎምን።

ሞያዊ ተመኩሮ ናይ ኢንዱስትሪ

IV. ብውልቃዊ ድሌት መሰረት ዝተሃነጸን ተወሳኺ ትርጉምን

ብውልቃዊ ድሌት መሰረት ዝተሃነጸን ተወሳኺ ትርጉምን

  • ትሕዝቶ ምጽሓፍ ኣገልግሎታት፥ ንዌብሳይት ዝኸውን ብሎግ፡ ንመርበብ ሓበሬታ ዝኸውን ትሕዝቶ፡ ንዕዳጋ ዝኸውን ሓሳባዊ ትሕዝቶ፡ ሓባሪ ጽሑፋት፡ መጽናዕታዊ ጽሁፋት፡ ኣንቢብካ ምእራም፡ ምስላዊ ሓበሬታታት፡ ትሕዝቶ ማሕበራዊ ሚድያ፡ ጋዜጣዊ መግለጺታት፡ ኣገልግሎት ጽሕፈት ረክላምን ካልኦት ኣገልግሎታትን ንህብ።
  • ቅዳሕ ምድላው፥ ኣሰናዳዊ ቅዳሕ፡ እቲ ጽሑፍ ከምዝንበብ፡ ሓቀኛ ሓበሬታ ምሓዙን ንሕትመት ድልው ከምዝኸውን የረጋግጽ። ኣብ ኩሉ ዓይነት ሕትመታት፡ እንተላይ ኣብ መጽሓፍቲ፡ ጋዜጣታትን ምጽሄታትን ይሰርሑን። ነቲ ጽሕፈት ብምርኣይ ብጽቡቕ ኣገባብ ከምተጻሕፈን ቅኑዕ ኣቀዋውማ፡ ማለት፡ ትኽክለኛ ኣጠቓቕማ ሰዋስውን ኣተናብባን ከምዘለዎን የረጋግጽ።
  • ሬክላም ምጽሓፍ፥ ሬክላም ምጽሓፍ ማለት ብጽሑፍ መልክዕ ንመወዓውዒ ወይ ዕዳጋ ንምስሓብ ዝኸውን ጽሑፍ ምጽሓፍ ማለት እዩ። እቲ ውጽኢት፡ ቅዳሕ ወይ ቅዳሕ መሸጣ ተባሂሉ ዝስመይ፡ ጽሑፍ (ትሕዝቶ) ኮይኑ፡ ንሓደ ሰብ ይኹን ንጉጅለ ሽም ዕድጋ ናቲ ፍርያት ወይ ኣገልግሎት ኣፍልጦ ክህልዎን ዝኾነ ስጉምቲ ንኽወስድ (ነቲ ፍርያት ወይ ነቲ ዝወዓዋዕ ዘሎ ዓይነት ኣገልግሎት ክጥቀም) ዘእምን እዩ።
  • ኣንቢብካ ምእራም፥ ንኣብነት ንዝጽሓፍኩሞ መጽሓፍ ክተሕትሙ ትደልዩ ትኾኑ። ኣራሚ ኣንባቢና፡ ንዝኾነ በቲ ቤት ማሕተም ኣብ እርያ ፊደል ኮነ ብገምጋሚ ንዝግበር ጌጋታት ኣብ ምርካብ ይሕግዘኩም። ኣብ ኢትዮጲያ፡ ብዙሓት ሕትመታት ሞያዊ ብዝኾነ መገዲ ኣንቢብካ ናይ ምእራም ስራሕ ይጎድሎም እዩ።
  • ሕትመት ዴስክቶፕ፥ ጽሕፈትን ምስላዊ ሓበሬታ ዘቀናጀየ ናይ ኣሰራርዓ ፕሮግራም ዘለዎ ዴስክቶፕ ብምጥቃም ንሕትመት ዝበቅዕ ትሕዝቶ ምፍራይ ማለት እዩ። ን ኣጠቓላሊ ሕትመትን ምስላዊ ሓበሬታታት (መልእኽተ-ዜናታት፡ ምጽሄታት፡ ብሮሹራት፡ ንእሽቶ መጽሓፍቲ፡ ፖስተራትን፡ በረርቲ ወረቐትን)፡ Adobe InDesign (ኣዶቤ ኢንዲዛይን)፡ Adobe PageMaker (ኣዶቤ ፔጅሜከር)፡ ስሕት ኢልና ድማ QuarkXPress (ዃርክኤክስፕረስ) ክንጥቐም ንኽእል ኢና። ንነዊሕን ብዙሕ ምዕራፋት ዘለዎ ሰነድ (መጽሓፍቲ፡ ዕለታዊ መዝገባት፡ ኣካዳሚያዊ ሕትመታትን፡ ማንዋላትን) ብ Corel Ventura (ኮሬል ቬንቹራ)፡ Adobe InDesign (ኣዶቤ ኢንዲዛይን)፡ Adobe FrameMaker (ኣዶቤ ፍሬምሜከር)ን፡ QuarkXPress (ዃርክኤክስፕረስ) ምጥቃም ዝበለጽ እዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ንሕትመታት ሰሌዳዊ ትሕዝቶ ዘለዎም (ሳይንሳዊ ሕትመታት፡ ቴክኒካዊን ስታቲስቲካዊ ሕትመታትን፡ ጽዑቕ ሓበሬታ ዘለዎም ሕትመታትን)፡ Corel Ventura (ኮሬል ቬንቹራ)፡ Adobe FrameMaker (ኣዶቤ ፍሬምሜከር)፡ Adobe InDesign (ኣዶቤ ኢንዲዛይን)ን፡ QuarkXPress (ዃርክኤክስፕረስ)ን፡ ብዝበለጸ ንድሌታት ዓማዊልና ከማልኡ ይኽእሉ እዮም።

V. ናይ ቃል ትርጎማ ኣገልግሎት

ናይ ቃል ትርጎማ፡ ብ ኣፍ ይኹን ብቋንቋ ምልክት፡ ዝተፈላለየ ቋንቋን ዝዛረቡ ሰባት ንኽረዳድኡ ምግባር ማለት እዩ።

ናይ ቃል ትርጎማ፥ መልእኽትን ዕላማን ናይ መበቆላዊ ቋንቋ ብምዕቃብ፡ ካብ ሓደ ዝተዘርበ ወይ ብቋንቋ ምልክት ዝተብሃለ ናብ ካልእ ቋንቋ ናይ ምቕያር መስርሕ እዩ። ተርጎምቲና፡ ኣብ ሆስፒታላት፡ ኣኼባታት፡ ቤት ፍርዲታት፡ Zoom Meeting (ኣኼባ ዙም)ን፡ ንሕጊ፡ መንግስታዊ ጽላታትን ዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ ዝህቡ ትቕዋማት ዝኸው ካልኦት ተመሳሰልቲ ናይ ኦንላይን መድረኻት ንክሰርሑ ድልዋት እዮም።

ቀንዲ ዝኾኑ ሰለስተ ዓይነታት ናይ ቃል ትርጎማ ኣለዉ።

  1. ተኸታታሊ ትርጎማ፥ እቲ መቦቆል ቋንቋ ዝዛረብ ሰብ ዘለባ ከቋርጽ ከሎ ብምኽታል እቲ ተርጓሚ ክዛረብ ይጅምር። ብስልኪ ዝግበር ትርጎማ ናይዚ ኣብነት እዩ። ናይ ቃል ተርጎምትና፡ ምጉዓዝ ከየድለዮም፡ ስልኮም ብምጥቃም ጥራሕ፡ ኣብ ኣሜሪካ፡ ኤውሮጳ፡ ወይ ኣብ ካልእ ክፍሊ ዓለም ንዘለዉ ዓማዊልና፡ ምስ ሓፈሻዊ ሓኪሞም፡ ጠበቕኦም ወዘተ. . . ንኽረዳድኡ ክሕግዙ ይኽእሉ እዮም።
  2. ብሓንሳብ ዝግበር ትርጎማ፥ መቦቆል ቋንቋ ኣብ ዝዝረበሉ፡ እቲ ተርጓሚ እንዳሰምዐ ምስቲ ተዛራባይ ኣብ ሓደ ግዜ ብምዝራብ ነቲ መልእኽቲ ብምትርጓም የመሓላልፍ።
  3. ትርጎማ ቋንቋ ምልክት፥ ብቓል ወይ ብጽሑፍ ነቕርብ።

ላዕሊ ኣብ ዝተተቕሱ ኩሎም ተርእዮታት፡ ተርጎምቲ፡ ብቕልጣፈን ጥንቃቐን፡ ቃናን ዕላማን ናይቲ መቦቆላዊ ቋንቋ ትሕዝቶ ዓቂቦም መልእኽቲ ከመሓላልፉ ትጽቢት ይግበረሎም እዩ። ብቃል ምትርጓም፡ ዝተናእደ ምልከት ቋንቋ፡ ልዑል ናይ ምዝካር ክእለት፡ ኣብ ሞንጎ ክልተ ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ቀልቲፍካ መሚኻ መልእኽቲ ናይ ምትሕልላፍ ክእለትን፡ ሞያዊ ስነምግባር ምስ ልዑል ደረጃ ናይ ኣሰራርሓ ክእለት የድልዮ እዩ። ቅድሚ ሕጂ ከምተገልጾ፡ ብቃል ምትርጓም ፊት ንፊት ወይ ድማ ብሩሑቑ ክትግበር ይከኣል። ብሩሑቑ ምትርጓም፡ ድምጻዊን ምስላዊን ርክብ መግበሪ (Zoom (ዙም)፡ Skype (ስካይፕ)፡ Google (ጉግል)፡ Hangouts (ሃንጋውትስ) ወዘተ. . .) ቴክኖሎጂያዊ መድረኽ የድልዮ እዩ።

VI. ንዓማዊል ነቕርቦ ተወሰኽቲ ኣገልግሎታት

ፍሉይ ዝኮኑ ናይ ጥቕላል ኣገልግሎታት ዘለና ኮይንና፡ ሽቱኡ ድማ ገንዘብኩምን ግዜኹምን ብምዕቃብ ካብ ምችው ገዛኹም ኮይንኩም ኮነ ስራሕኩም፡ ከይተንቀሳቐስኩም ክትእዝዙና ዘኽእል እዩ።

* ብኦንላይን ኣገልግሎት ትርጉም ምሃብን ሕጋዊ ክፍሊት ምፍጻምን

* ሰነድኩም ምትርጓምን ሓቀኛ ምዃኑ ምርግጋጽን

* ብነጻ ብቴሌፎን ናይ ቋንቋን ትርጉምን ምኽሪ ምሃብ

ንሞያዊ ኣሰራርሓ ትርጎማ ምልዋጥ

ናትኩም ስራሕ፡ ኣብ ንግዳዊ ዓለም ተሳቲፍካ ሓድሽ ፍርያት ወይ ኣገልግሎት ንውሽጢ ሃገርን ናብ ዕዳጋታት ወጻኢን ምቕራብ እዩ። ናትና ስራሕ ድማ፡ ነቲ ትሕዝቶኹም ብምትርጓም ዋኒንኩም ንዝገፍሐ ዓማዊልኩም ከምዝበጽሕ ምግባር እዩ።  

ኢትዮስታር ትካል ትርጉምን ክልላዊ ምግባርን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ውሕልነት ዘጥረናሉ ዓውዲታት፡ ንስነዳኹም፡ ረክላምኩምን ጐስጓሳዊ ሓሳብኩምን፡ ሶፍትዌርኩም፣ መርበብ ሓበሬታኹምን ናይ ኦንላይን ትሕዝቶኹም ናብ ቋንቋታት ኤስያ፡ ምስራቕ ኣፍሪቃን ቋንቋታት ኤውሮጳን ብግምጥልሽን ናይ ምድላው ዓቕሚ ክህልዎ ከሎ፡ ሃደሽቲ መሸጣታት፡ ምስፋሕ ዋኒንኩምን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ምስ ሙሉእ ዓለም ክትጋነዩ ድማ ይሕግዘኩም። 

ሰፊሕ ዓይነታት ኣገልግሎት ትርጉም ነቕርብ

ኢትዮስታር ትካል ትርጉምን ክልላዊ ምግባርን፡ ኣብ ኢትዮጲያን ምስራቕ ኣፍሪቃን፡ ልዑል ስልጠና ንዝወሰዱ ተርጎምቲ ንምቑጻር ዝተመባጽዐ ክኸውን ከሎ፡ እቶም ተርጎምቲ ድማ፡ ዓማዊል ዝበለጸ ስራሕ ትርጉም ከም ዝረኽቡ ንምግባር ብተወፋይነት ይሰርሑ።

ካብ ንህቦ ናይ ብዙሕ ቋንቋታት ኣገልግሎት ትርጉም ክትመርጹ ትኽእሉ ኢኹም። ጋንታና፡ እቲ ዝተተርጎመ ትሕዝቶኹም ብግቡእ ንዓማዊልኩም ነቲ ዝድለይ መልእኽቲ ከም ዝመሓላለፍ ክገብሩ እዮም።

ኣገልግሎትና ነቕርበሎም ቋንቋታት

ቋንቋታት ኤርትራን ካልኦት ናይ ምብራቅ ኣፍሪቃን

ቋንቋታት ኢትዮጲያ ፡

ቋንቋታት ኤስያ ፡

ቋንቋታት ኤውሮጳ

ናይ ብርቂ ቋንቋታትን ፍሉያት ቋንቋታት ኣገልግሎታት