ሓበሬታ ብዛዕባና

ኢትዮስታር ትካል ኣገልግሎት ትርጉምን ክልላዊ ምግባርን ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ናይ ግሊ ኩባንያ

ኣብ 2020 ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ኢትዮጲያ ብወግዒ ዝተመስረተ፡ ኢትዮስታር ትካል ትርጉምን ክልላዊ ምግባርን ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ኩባንያ፡ ብብዙሕ ቋንቋታት ኣገልግሎት ዘቕርብ ኮይኑ፡ ብብቁዓት ተርጎምቲ፡ ክልላዊ ኣብ ምግባር ሞያዊ ተመኩሮ ዘለዎም፡ መዝገበ ቓላት ኣሰናዳእቲ፡ ኣራሚ ኣንበብቲ፡ ንረክላም ዝኸውን ዝጽሕፉ፡ ድሕረ-ፈጠርቲ፡ መተግበሪ ሶፍትዌር ኣማዕበልቲ፡ ዲጂታላዊ ክፍሊ መሸጣ፡ ናይ ኮምፒዩተር ፕሮግራመራትን፡ መዓልታዊ ንዝሰላሰል ስራሕ ብኣድላዪ ዝኾኑ ተሓጋገዝቲ ኣባላት ዝቖመ ትካል እዩ።

ክቡር ባህሊታትን ቋንቋታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምትእስሳር፡ ብኡ ኣቢናውን ኣብ ዕቃበ፡ ምርምር፡ ዳታ ምእካብን፡ ኣብ ምምዕባል ኣዝዩ ኽቡር ዝኾነ ቋንቋታትን ባህሊን እዚ ዞባ ንምውሳእ፡ ኣብ ኣስመራ ኤርትራ፡ ካርቱም ሱዳን፡ ጁባ ደቡብ ሱዳን፡ ናይሮቢ ኬንያ፡ ሞቓዲሾ ሶማሊያን፡ ጅቡቲን ጨንፈር ናይ ምኽፋት ራእይ ኣለና።

ከምኡ ድማ ስለዝኾነ፡ ኢትዮስታር፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ፡ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ድማ ብሓፈሻ፡ ልዑል ደረጃ ዘለዎ ሞያዊን ተኣማንነትን ዘለዎ ኣገልግሎት ትርጉም ብምሃብ፡ ጽቡቕ ሽም ንምጥራይ ብልዑል ተወፋይነት ይሰርሕ። እቲ ንምነዮ፡ መራሕቲ ኣቕረብቲ ኣገልግሎት ቋንቋ፡ ሰደድቲ ሰፊሕ ዝርግሐ ናይ ትርጉም ዳታ፡ ሞያዊ ተመኩሮ፡ ጸጋታትን ኣገልግሎታትን ብምዃን ንዓማዊልናን ንነብስናን ክነመስክር እዩ። ዓማዊልና ዝደለይዎ ናይ ትርጉም ኣገልግሎት ብምምላእ ናብ ጎደና ዓወት ክምነምርሖም ቃል ንኣትው።

ናይ ሓባር ሽቶ ብዝተናእደ ኣገባብ ንምስኻዕ ተለዓዒልና ኣለና። ንሕና፡ ብሓደ ንሰርሕ፡ ብመደበኛ ተርጎምቲን ናይ ቃል ተርጎምቲን ዝቖምና ጉጅለ ኢና። ከም ኣበገስቲ ስራሕ ኣገልግሎት ክልላዊ ምግባር ኣብ ኢትዮጲያ፡ ኣብ ምስራጽ ትኽክለኛ መስርሕን ኣብ ኩሉ መዳያቱን ብዙሕ ስራሕ ከምዝጽበየና ንፈልጥ ኢና።ስ

ካብ ካልኦት ንሕና ንምረጸሉ ምኽኒያት እንታይ እዩ? እንታይ ፍሉይ ይገብረና?

ተርጎምቲና

  • ተርጎምቲ ኣብ ንቖጽረሉ ግዜ፡ ድልዱል ብቅዓት ክህልዎም ንሓትትን ብመስርሕ መርመራ ድማ ይሓልፉ። እዚ ንሓደ፡ ዓሚል ናይ ምንዃን ተኽእሎ ዘለዎ ብግብሪ ክርእዮ ዝኽእል እዩ።
  • ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ኣሳይታ፣ ድሬዳዋ፣ ጅጅጋ፡ ሃዋሳ፡ ጅማ፡ ናይሮቢ (ኬንያ)ን፡ ካምፓላ (ኡጋንዳ) ዝመደብሮም ልዕሊ 100 መቦቆላዊን ዳርጋ መቦቆላዊ ተርጎምቲ
  • ብ ኣንጎላዊ፡ ኢትዮጲያውያን፡ ኤርትራውያን፡ ፈረንሳዊ፡ ጥልያናዊ፡ ኬንያዊ፡ ሶማላዊ፡ ሩሲያዊን፡ ኡጋንዳዊ ሞያተኛታት ቋንቋ ዝቖመ ዓለማዊ ጋንታ፡ ርኡይ ትምህርታዊ ድሕረባይታ ዘለዎምን ቋንቋታትን ባህልታትን ብማዕረግ ክብ ከብሉ ፍሉይ ድልየት ዘለዎምን
  • ንሃደድቲን ተልመዴናትን ዝኸውን ቦታ የብልናን
  • ንዝተወሃብናዩ ስራሕ ብኻልኦት ኣስሪሕና ኮሚሽን ኣይንቕበልን ኢና። ንኹሉ ንሰርሓሉ ቋንቋ፡ ናትና ተርጎምቲ ክህልዉና ከሎ፡ ከም ነጻ ሞያተኛ ዝሰርሑ ተርጎምቲ ድማ ወርሓዊ ይኽፈሉ። ድልዱልን ብጽቡቕ ዝሰልጠኑ መቦቆላዊ ተርጎምቲ ኣብ ነፍስ ወከፍ ትርጓመን ክልላዊ ናይ ምግባር ፕሮጀክትታት ስለ ዝሳተፉ፡ ንዝተረከብናዮ ፕሮጀክት ዝተናእደ ውጽኢት ስራሕ ትርጉም ኣብ ምቕራብ ይሕግዙ።

መስርሕ ፍሰት ስራሕናን ክንክን ዓማዊልን

  • ኩሉ ኣብ መስርሕ ትርጉምን ክልላዊ ምግባርን ከድልየኩም ንዝኽእል ነገራት ክነማልእ ንኽእል ኢና። TEP (ምትርጓምን ኣንቢብካ ምእራምን)፡ DTP (ሕትመት ዴስክቶፕ)፡ ዝንበብ ትረኻ ፡ ተውኔታዊ ጽሑፍ፡ ንኡስ ኣርእስቲ ምድላው፡ ድሕረ-ምፍጣር፡ ድረባ (ብኻልእ ቋንቋ ድምጺ ምምላእ)፡ ምእካብ ዳታን መጽናዕቲ ናይቲ ዝትርጎመልሉ ቋንቋን ነቶም ደቅ ዓድን፡ ምምዕባል ሶፍትዌር፡ ምስላዊ ምውጻእ ንድፊ፡ ጉድለት ኮምፒዩተር ምእራምን ካልኦት ብልሽታት ምልላይ ዘጠቓልል፡ ኩሉ ዘማልአ ኣገልግሎት ክልላዊ ምግባር ንህበሎም እዮም።
  • ብዓል ሓሙሽተ ኮኾብ ጽፈት ደረጃ ትርጉም፥ ብሉጽ ደረጃ ካብ ኣድማዒን ሳይንሳዊን መስርሕ ትርጎማ፡ ሞያዊ ምሕደራ ፕሮጀክት፡ ብጥብቂ ተታሒዙ ክትትል ብዝግበረሉ ስራሕ ትርጉም፡ መስርሕ ኣንቢብካ ምእራምን (TEP)፡ ኣብቲ ዓውዲ ሞያዊ ተመኩሮ ዘለዎ ሰብ ዝሳተፈሉ።
  • ሰፊሕን ተሪርን መስርሕ ስርዓት ደረጃ ግምገማ።
  • አጠቃላይ እና ጥብቅ QA (የጥራት ግምገማ) ሂደት እና ስርዓት።
  • ግሉጽነት ዘለዎን ምክትታል ዝግበረሉ ምስርሕ ትርጉም።
  • ናይ ገንዘብ ተመላስነት ውሕስነት ሂብና፡ ባዕልና እንተተዓንቂፍን ስሕተት እንተፈጺምና፡ ኣብ ልዕሌና ናይ ነብሰ-መቕጻዕቲ ስጉምቲ ነተግብር።
  • ዓይነታት ምጉዳል ዋጋታትን ረክላማዊ ኣቕርቦታት ንናይ ወትሩ ዓማዊልና።
  • ሰሙን ሙሉእን 24 ሰዓታትን ኣብ ጽዑቕ ኩነታት ክንሰርሕ ድልዋት ኢና።
  • ድልየታት ዓማዊልና ንምምላእ ብነጻ ተወሰኽቲ ኣገልግሎታት ንምሃብ ፍቓደኛታት ኢና።
  • ኣስተውዓልቲን ትሑታትን ዝኾኑ ንዓማዊል ኣቀባብላ ዝገብሩ ሰራሕተኛታት
ንጥቀመሉ ቴክኖሎጂታት

ኩልግዜ ካብ መወዳድርትና ዝፈልየና፡ ቴክኖሎጂ (ማለት፡ CAT (ብኮምፒዩተር ዝተሓገዘ ትርጉም) ምስ መስርሕ ትርጉም ናይ ምውህሃድ ዓቕሚ ስለ ዘለና እዩ። ዓማዊል ብዝሓተትዎ መሰረትን ግፍሒ ናይቲ ስራሕን፡ እዞም ኣብ ታሕቲ ዝተዘርዘሩ መሳርሒታት ብኮምፒዩተር እንዳተሓገዝካ መተርጎሚ (CAT tools) ክንጥቀም ንኽእል።

I. ትርጉምን ትርጉም መኸዘኒ መሳርሒታት
III. መስርሒ መዝገበ ቃል
II. መሳርሒታት ክልላዊ መግባር

ገለ ካብ ኣገልግሎት ትርጉም ን/ወይ ክልላዊ ምግባር ካብ ዝሃብናዮም ቀንዲ ዓማዊልና

ዜግነታት ተርጎምቲን ሰራሕተኛታትን ኢትዮስታር